Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

usury


ዘጸአት 22:25 | 13 Helpful votes

ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ።

Translation | Context
ዘዳግም 23:19-20 | 10 Helpful votes

ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:13 | 9 Helpful votes

ዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፣ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ያእ፣ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፣ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሲ ከኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:37 | 6 Helpful votes

ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:35-37 | 5 Helpful votes

ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።

Translation | Context
ዘዳግም 23:19 | 5 Helpful votes

ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:8 | 5 Helpful votes

እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠን፣ ኢዱ ካብ ኦኣምጻ እንተ ኸልከለ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ፣

Translation | Context
ህዝቅኤል 22:12 | 5 Helpful votes

ደም ምእንቲ ኼፍስሱ፣ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፣ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክን፣ ብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፣ ንኣይውን ረሳዕኪ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:35 | 5 Helpful votes

ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:36 | 4 Helpful votes

ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:17 | 3 Helpful votes

ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዚመልስ፣ ሓረጣን ካዕበትን ዘይወስድ፣ ፍርደይ ዚገብር፣ ብሕገይ ዚመላለስ፣ ንሱ ብህይወት ኪነብር እዩ እምበር፣ ብሰሪ ኣበሳ ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 112:5-6 | 3 Helpful votes

ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ። ንዘለአለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፣ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:27 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:7 | 3 Helpful votes

ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 15:5 | 3 Helpful votes

ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:8 | 3 Helpful votes

እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሐረጣን ገንዘቡ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ።

Translation | Context
ዘዳግም 15:7-11 | 3 Helpful votes

ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 15:1-5 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 10:1-34 | 2 Helpful votes

እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም። ብመዓልቲ ቕጽዓትን ህቦብላን ኻብ ርሑቕ ምስ ዚመጽእን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧ ረዲኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሀፍሙ፧ ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሐድግዎ ኢኹም፧ ብዘይ ኣብ ትሕቲ እሱራት ምድናንን ኣብ ማእከል ቅቱላት ምውዳቕን ዚተርፎም የልቦን። ምስናይ እዚ ዂሉ ቚጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ። ኣሶር ሸቦጥ ቊጥዓይ ወይለኡ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ኸኣ ኲራይ እዩ። ናብ ረሲእ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፡ ኪዘምትን ኪብዝብዝን ከም ጭቃ ኣደባባይ ከኣ ኪረግጾምንሲ፡ ናብቲ ወለዶ ነድረይ ክእዝዞ እየ። ንሱ ግና ከምኡ ኣይመስሎን፡ ልቡውን ከምኡ ኣይሐስብን እዩ፡ ኣብ ልቡስ ምጥፋእን፡ ንሒደት ዘይኰነ ኣህዛብ ከኣ ምጽናትን እዩ ዘሎ። ይብል አሎ እሞ፡ ኲሎም መሳፍንተይዶ ነገስታት ኣይኰኑን፧ ከልኖዶ ኸም ከርከሚሽ ኣይኰነትን፧ ሃማትከ ኸም ኣርፋድዶ ኣይኰነትን፧ ሰማርያስ ከም ደማስቆዶ ኣይኰነትን፧ ከምቲ ነቶም ካብ የሩሳሌምን ካብ ሰማርያን ዚበልጽ፡ ጽሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስትታት ጣኦታት፡ ኢደይ ዘርከበቶም፡ ከምቲ ንሰማርያን ንጣኦታታን ዝገበርክዎ፡ ንየሩሳሌምን ንጣኦታታንሲ ኸምኡዶ ኣይክገብርን እየ፧ እምበኣርሲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ኲሉ ግብሩ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ፈጸመ፡ ነቲ ፍረ ዕቡይ ልቢ ንጉስ ኣሶርን፡ ንድርቅና እተን ኲሩዓት ኣዒንቱን ክቐጽዕ እየ። ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣስተውዓሊ ስለ ዝዀንኩ፡ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ገበርክዎ፡ ንዶብ ህዝብታት ከኣ ኣዝበልክዎ፡ ንመዛግቦም ድማ ዘመትክዎ፡ ከም ጅግናውን ነቶም ኣብ ዝፋን እተቐመጡ ኣውረድክዎም። ኢደይ ከኣ ንሃብቲ ህዝብታት ከም ቤት ዑፍ ረኸበቶ፡ ከምቲ ንድርቡይ እንቋቚሖ ዚእክቦ፡ ኣነውን ከምኡ ንብዘላ ምድሪ ኣኪበያ አሎኹ እሞ፡ ሓደ እኳ ኽንፉ ዜንገብግብ፡ ወይስ ኣፉ ኸፊቱ ጭቚጭቚ ዚብል ኣይነበረን። ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዶ ይጀሀር እዩ፧ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ፧ ሸቦጥሲ ነቶም ዜልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶም፧ በትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ፧ ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናብቶም ህጣራታቱ ዕብራን ኪሰድድ እዩ፡ ብትሕቲ ኽብሩውን፡ ከም ምብራዕ ሓዊ ገይሩ፡ ባርዕ ኬባርዕ እዩ፡ እቲ ብርሃን እስራኤልሲ ሓዊ፡ ቅዱሱ ድማ ሃልሃልታ ኪኸውን እዩ፡ ንእሾኹን ተዀርባኡን ከኣ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኺበልዖ እዩ። ንኽብሪ ዱሩን ፈራዪ ግርሁኡን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ኼጥፍኦ እዩ፡ ከምቲ ምምህማን ብሕማም ዝማሰነ ሰብ ኪኸውን እዩ። እቲ ኻብ ዱሩ ዝተረፈ ኣእዋም ከኣ፡ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዚጽሕፎ፡ ቊጽሪ ሒደት ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ካብ እስራኤል ዝተረፉን እቶም ዘምለጡ ናብ ቤት ይእቆብን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኪጽግዑ እዮም እምበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣብቲ ወቓዒኦም ኣይኪጽግዑን እዮም። እቲ ትራፍ፡ እቲ ኻብ ያእቆብ ዝተረፈ፡ ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ኪምለስ እዩ። ዎ እስራኤል፡ ህዝብኻ ኸም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ ተረፍ ጥራይ ኪምለስ እዩ፡ ጥፍኣት ምዱብ እዩ፡ እዚውን ንጽድቂ ኼውሕዞ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ማእከል ኲላ ምድሪ ምዱብ ጥፍኣት ኪፍጽም እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ኣታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘሎኻ ህዝበይ፡ ኣሶርሲ ምንም እኳ ብስላዕ እንተ ወቕዓካ፡ ከምቲ ኣዋቓቕዓ ግብጺ በትሩ እንተ ኣልዐለልካ፡ ኣይትፍርሃዮ። ቅሩብ ጊዜ እምበር እቲ ዂራ ኺወዳእ፡ ቊጥዓይ ከኣ ንጥፍኣቶም ኪምለስ እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ሆሬብ ንሚድያን ዝወቕዓ፡ ጭጒራፍ ኬልዕለሉ እዩ፡ በትሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮውን ኬልዕሎ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ጾሩ ኻብ መንኲብኻ፡ ኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኺወርድ እዩ። እቲ ኣርዑትውን ካብ ስብሒ እተላዕለ ኺስበር እዩ። ናብ ዓያት ይመጽእ፡ ብሚግሮን ይሐልፍ፡ ኣብ ሚኽማሽ ኣቓሕኡ የንብር አሎ። ብኽሳድ ይሐልፉ፡ ኣብ ጌባ ኸኣ ማሕደሪኦም ይገብሩ ኣለው። ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ ድማ ትሀደም አላ። ኣቲ ጓል ጋሊም፡ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፡ ዎ ላይሻ፡ ጽን በሊ፡ ኣናቶት ከኣ ይወኣነይቲ። ማድሜና ትሀድም፡ ሰብ ጌቢም ከኣ ከብቶም የህድሙ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኸረን ጓል ጽዮን፡ ኣብ ኲርባ የሩሳሌም የዋጣውጥ አሎ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንጨናፍር ብዜሰክሕ ሓይሊ ይሰልዖም፡ እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ይቚረጹ፡ እቶም ልዑላት ከኣ ለጠቕ ይብሉ ኣለው። ነቲ ዕሙር ዱር ብሓጺን የብርሶ፡ ሊባኖስ ከኣ ብኢድ እቲ ስልጡን ይወድቕ።

Translation | Context
ነህምያ 5:1-13 | 2 Helpful votes

እቶም ህዝብን ኣንስቶምን ከአ፡ ኣብቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ። ገሊኦም፡ ንሕናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና፡ ኣምበኣርሲ ኽንበልዕ እሞ ክንድሕን እኽሊ ሀቡና፡ ዚብሉ ነበሩ። ገሊኦም ድማ፡ ጠሚና፡ እኽሊ ኽንዕድግሲ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ይብሉ ነበሩ። ገሊኦም ከኣ፡ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ንግብሪ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከም ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ አሎና። ካብተን ኣዋልድና ድማ ባሮት አለዋ፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ። ኣነ ኸኣ ጭራሕ ምራሖምን እዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝዩ ተቐጣዕኩ። ብልበይ መኺረ ድማ፡ ነቶም ከበርተን ሓላቑን፡ ከመይ ኢልኩም ነፍሲ ወከፍ ነንሓው ብሓረጣ ተለቅሑ አሎኹም፡ ኢለ ዘለፍክዎም። ናብ ልዕሊኦም ዓብዩ ኣኼባ ኣኪበ ኸኣ፡ ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና፡ ከም ዓቕምና ተበጀዮምናዮም። ንስኻኩምከ ኣሕዋትኩምሶ ባዕላትኩም ክትሸጡ ኢኹም፡ ንሳቶምሲ ነፍሶምዶ ኺሸጡልና እዮም፡ በልክዎም። ሽዑ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ። ኣነ ኸኣ፡ እዚ እትገብርዎም ዘሎኹም ነገርስ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቶም ጸላእትና ኣሕዛብ ከይትጸርፉስ፡ ከምይ ብፍርሃት ኣምላኽና ዘይትኸዱ፡ ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም አሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም። ግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከአ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንመልስ፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ኸምኡ ንገብር፡ በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ጸዊዔ ኸም እዘን እተዛረብወን ቃላት ኪገብሩ ኣምሐልክዎም። ኣነ ድማ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዘይፍጸም ኵሉ ሰብሲ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምኡ ይንገፎ፡ እወ፡ ከምኡ ንጉፍን ጥራዩን ይኹን፡ ኢለ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ባርኖስ ነገፍኩ። ኵሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በለ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ። እዚ ህዝቢ ኸኣ ከም እዚ ዘረባ እዚ ገበረ።

Translation | Context