Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

ushers


መዝሙር 84:10 | 25 Helpful votes

ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።

Translation | Context
ሮሜ 12:13 | 13 Helpful votes

ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 7 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:58 | 6 Helpful votes

ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:18-19 | 6 Helpful votes

ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 9:17-27 | 5 Helpful votes

ሓለውቲ ደገ ድማ፡ ሻሉምን ዓቁብን ጣልሞንን ኣሒማንን ኣሕዋቶምን። ሻሉም ሓለቓ ነበረ። ንሳቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይጸንሑ አለው፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ሌዊ እዮም። ሻሉም ከኣ ወዲ ቆሬ፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዘበሉ ኣሕዋቱ ቆራሓውያን ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፡ ኣቦታቶምውን ኣብቲ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ መእተዊ ነይሮም እዮም። ቀደም ከኣ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ። ዘካርያስ ወዲ መሸለምያ ሓላው ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ነበረ። እዚኣቶም ኲሎም ኣብ ደጌታት ሓለውቲ ኪዀኑ እተሐርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ዐዓዶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጻሕፉ፡ ንኣታቶም ዳዊትን ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣቘምዎም። ንሳቶምን ደቆምን ከኣ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣቢሄር፡ እቲ ናይ ድንኳን ቤት፡ ሓለውቲ ነበሩ። እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲኤን ንፋሳት፡ ብምብራቕ፡ ብምዕራብ፡ ብሰሜን፡ ብደቡብ እዮም ዝነበሩ። እቶም ኣብ ዐዓዶም ዚነብሩ ኣሕዋቶም ከኣ ኣብ ሰሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ምሳታቶ ኪዀኑ። ይመጹ ነበሩ። ከመይሲ እዞም ሌዋውያን ዝነበሩ ኣርባዕተ ሓላቑ ሓለውቲ ደገ ወርትግ ሰብ መዚ እዮም ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ክፍልታትን መዝገባትን ከኣ ምዙዛት ነበሩ። ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ኣምላኽ ይሐድሩ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ መዞም ነበረ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 22:4 | 4 Helpful votes

ናብቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ሒልቂያ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ሓለውቲ ደገ ኻብቲ ህዝቢ ዝአከብዎ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ዝአተወ ገንዘብ ኪእክቦ አዝዞ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 25:18 | 3 Helpful votes

እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሊቀ ኻህናት ሰራያን ንጸፋንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ደገን ወሰዶም።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-4 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ አተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧

Translation | Context
ኤፌሶን 6:7-8 | 2 Helpful votes

ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎ፡ ፍለጡ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:4-5 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:31-46 | 2 Helpful votes

ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:3 | 2 Helpful votes

ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን።

Translation | Context