Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

unruly children


ዘዳግም 21:18-21 | 22 Helpful votes

ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎም። ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:9 | 14 Helpful votes

ዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 9 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 6 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1 | 6 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ሮሜ 3:20 | 5 Helpful votes

ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን።

Translation | Context
ምሳሌ 19:20 | 5 Helpful votes

ኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል።

Translation | Context
ምሳሌ 15:5 | 4 Helpful votes

ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-5 | 4 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 3 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
ሮሜ 1:28-32 | 3 Helpful votes

ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም። ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:34 | 3 Helpful votes

ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:23-24 | 3 Helpful votes

ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበ። ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕ። ደይብ፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኢሎም ኣላገጹሉ። ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮም፡ ብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ።

Translation | Context
ገላትያ 5:22 | 3 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:1 | 3 Helpful votes

ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።

Translation | Context