Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

universe


ዘፍጥረት 1:1-31 | 14 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን፡ በለ። ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፡ ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ፡ ኢሉ ባረኾም። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓምሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም። ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም። ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።

Translation | Context
መዝሙር 19:1 | 10 Helpful votes

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።

Translation | Context
እብራውያን 11:3 | 8 Helpful votes

ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ አሎና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:22 | 7 Helpful votes

ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 8:3-4 | 6 Helpful votes

ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:26 | 4 Helpful votes

ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:3 | 4 Helpful votes

ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።

Translation | Context
እብራውያን 1:3 | 4 Helpful votes

ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።

Translation | Context
እዮብ 26:7 | 3 Helpful votes

ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:2 | 3 Helpful votes

ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 33:6 | 3 Helpful votes

ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ።

Translation | Context
መዝሙር 147:4 | 3 Helpful votes

ቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም።

Translation | Context
እዮብ 26:10 | 3 Helpful votes

ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:14 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:7 | 3 Helpful votes

እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:10 | 2 Helpful votes

መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 33:25 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኪዳነይ ምስ መዓልትን ለይትን እንተ ዘይንጸዔ፡ ንሰማይን ንምድርን ስርዓት እንተ ዘይሐገግኩ፡ ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኻብ ዘርኡ ኸየተንስእስ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየ እሞ፡ ክምሕሮምውን እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 4:5 | 2 Helpful votes

ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኽብርስ መኸወሊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሉ መሳፍሮ ኣኽራን ጽዮንን፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባታታን ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ባና ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 90:4 | 2 Helpful votes

ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፣

Translation | Context