Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

unity in the church


1ይ ቈረንቶስ 1:10 | 20 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:1-6 | 9 Helpful votes

ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም አሎኹ። ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 17:21 | 6 Helpful votes

ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:10-12 | 6 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:3 | 5 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:1-3 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

Translation | Context
ኣሞጽ 3:3 | 4 Helpful votes

ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስ፣ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፡

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 13:11 | 3 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:3 | 3 Helpful votes

ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ።

Translation | Context
ሮሜ 15:5-6 | 2 Helpful votes

ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም።

Translation | Context
ዮሃንስ 17:23 | 2 Helpful votes

ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:14 | 2 Helpful votes

እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡

Translation | Context
ህዝቅኤል 37:17 | 2 Helpful votes

ሓደ ዕጨይቲ ኪኸውንሲ፣ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ሓደ ክኸውን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 4:12 | 2 Helpful votes

ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።

Translation | Context