Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

ungratefulness


2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 | 11 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 11:4-6 | 6 Helpful votes

ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሐዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸኣ፡ እንበልዖ ስጋ መን ይህበና፡ እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ዘከርና፡ ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:16 | 4 Helpful votes

ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።

Translation | Context