Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

unclean spirits


1ይ ጢሞቴዎስ 4:1-16 | 5 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተአሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። በቲ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን ኣንጽዕርን ዘሎና። እዚ ኣዝዝን ምሃርን። ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ማቴዎስ 12:43 | 5 Helpful votes

ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ።

Translation | Context
ማርቆስ 5:1-43 | 5 Helpful votes

ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። ካብ ጃልባ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቝሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽእለ ከቶ ኣይነበረን። ኵሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዩ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ አሎኒ፧ ከይትሳቐየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሁ። እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኺሰብክ ጀመረ፡ ኵሎምውን ተደነቑ። ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ። ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝስሙ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ ጓለይ ክትመውት ኢላ አላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየት ከኣ ንነፍሳ ተፈለጣ። ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ አሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዅሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ። ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ አሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ። የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ። ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓዉ ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን። ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረአየ። አትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ አላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዮን፧ አሎኹም በሎም። ሰሐቕዎ ድማ። ንሱ ግና ንዅሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለውን ሒዙ፡ ናብቲ እታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ። ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ አሎኹ፡ እዩ። እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ። ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም።

Translation | Context
ራእይ 18:2 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና። ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 4 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:24 | 3 Helpful votes

ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፥ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:8 | 3 Helpful votes

ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:14-16 | 3 Helpful votes

ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 44:23 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱሳን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:4-5 | 2 Helpful votes

ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:18 | 2 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:8 | 2 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።

Translation | Context
ራእይ 14:12 | 2 Helpful votes

እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:17-18 | 2 Helpful votes

ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5 | 2 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:5-6 | 2 Helpful votes

ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ።

Translation | Context