Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

unbelievers


2ይ ቈረንቶስ 6:14-18 | 13 Helpful votes

ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 5:9-13 | 8 Helpful votes

ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:14 | 8 Helpful votes

ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧

Translation | Context
ኤፌሶን 4:18 | 7 Helpful votes

ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡

Translation | Context
ምሳሌ 24:20 | 6 Helpful votes

እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንዴል ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጽርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 5 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:4 | 3 Helpful votes

እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 3 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 1:20 | 3 Helpful votes

ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:15 | 3 Helpful votes

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 2 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 2 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:1-24 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም አሎኹ። እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ አሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም አሎኹም። እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኵሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን።

Translation | Context
ሉቃስ 10:30-37 | 2 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፥ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።

Translation | Context
እብራውያን 3:12 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:26 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:12-13 | 2 Helpful votes

ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ።

Translation | Context
ኤርምያስ 22:9 | 2 Helpful votes

ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደጉን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ዘምለኹን እዩ፡ ኢሎም ከኣ ኪመልሱሎም እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 2:8 | 2 Helpful votes

ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ።

Translation | Context
ዮሃንስ 21:19-22 | 2 Helpful votes

ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዐበኒ፡ በሎ። ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዚህበካ መን እዩ፧ ዝበሎ እዩ። ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፥ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፡ ንስካ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ።

Translation | Context