Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

unbelief


ዮሃንስ 3:18-19 | 5 Helpful votes

ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:11-12 | 5 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።

Translation | Context
ማርቆስ 9:23-25 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ በሎ። የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረአየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ አሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:48 | 5 Helpful votes

ኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 16:16 | 5 Helpful votes

ዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:5 | 4 Helpful votes

እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21 | 4 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:14 | 4 Helpful votes

ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:15-17 | 4 Helpful votes

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።

Translation | Context
ዮሃንስ 20:27-29 | 3 Helpful votes

ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። ቶማስ መሊሱ ከኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:22 | 3 Helpful votes

ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:19-21 | 2 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ማቴዎስ 17:20 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም ውን የልቦን።

Translation | Context
ሉቃስ 7:23 | 2 Helpful votes

ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:14-18 | 2 Helpful votes

ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:6 | 2 Helpful votes

እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:2 | 2 Helpful votes

ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።

Translation | Context