Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

the plans god has for us


ኤርምያስ 29:11 | 14 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 10 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 6 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
መክብብ 3:1-22 | 6 Helpful votes

ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ አለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ አለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ አለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ። እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ። ንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ። ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸኣ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ። ኣነውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ከም ዘሎ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ከም ዘሎ ርኤኹ። ኣነ ብልበይ ንዅሉ ነገርን ንዅሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ። ኣነውን ብልበይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘቦም፡ እንስሳ ምዃኖም ከአ ባዕላቶም ኪርእዩስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዚ ኾነ፡ በልኩ። ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ። እስትንፋስ እንስሳ ኸኣ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ፧ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ኪርእስ መን ይመልሶ፡ ንሰብ ብዕዩኡ ባህ ምባል እንተ ዘይኮይንይስ፡ ካልእ ዚሔሾ ኸም ዜብሉ ርእየ እየ እሞ፡ ጊዴኡ እዚ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:9 | 5 Helpful votes

ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:11 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 3 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 3 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 27:14 | 3 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
መዝሙር 32:8 | 2 Helpful votes

ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 2 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:9 | 2 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡

Translation | Context
መዝሙር 37:23 | 2 Helpful votes

ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:21 | 2 Helpful votes

ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7 | 2 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:1-27 | 2 Helpful votes

ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ። ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። ግናኸ ነቲ ዝለአኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ። እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ። ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:18-19 | 2 Helpful votes

ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።

Translation | Context