Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

the ocean


ሚክያስ 7:19 | 17 Helpful votes

መሊሱ ይርሕርሓልና፣ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ።

Translation | Context
መዝሙር 139:9-10 | 11 Helpful votes

ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ።

Translation | Context
ኣሞጽ 9:6 | 9 Helpful votes

እቲ ኣደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሔ፣ ጠፈሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፣ ንማያት ባሕሪ ዝጽውዕ፣ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 107:23-25 | 8 Helpful votes

ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ፣ ኣብ ዓበይቲ ማያት ዚነግዱ፣ ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ዓሚቚ ድማ ተኣምራቱ ረአዩ። አዘዘ እሞ፣ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:9 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:2 | 7 Helpful votes

ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 1:6-7 | 5 Helpful votes

ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ። ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:14 | 5 Helpful votes

ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባህሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፡ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፡ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:2 | 3 Helpful votes

ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።

Translation | Context
መክብብ 11:3 | 3 Helpful votes

ደበናስ ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ኦም ከአ ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን ኣቢላ እንተ ወደቐት፡ እታ ኦም ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣብኡ ትነብር።

Translation | Context
ምሳሌ 20:5 | 3 Helpful votes

ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ።

Translation | Context
መዝሙር 104:1-35 | 3 Helpful votes

ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ፣ ግርማን ክብርን ለበስካ። ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፣ ንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ፣ ንርሻንካ ኣብ ማያት ሀነጽካዮ፣ ንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ፣ ኣብ አኽናፍ ንፋስ ኴንካ ኸድካ። ንንፋሳት ልኡኻትካ፣ ንሃልሃልታ ሓዊ አገልገልትኻ ገበርካዮም። ንዘለአለም ከይትናወጽሲ፣ ንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ። ከም ብልብሲ ብመዓሙቚ አልበስካያ፣ ማያት ኣብ ልዕሊ አኽራን ቈሙ። ብመግናሕትኻ ሀደሙ፣ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ። አብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፣ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ። ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስ፣ ዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም። አብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ፣ ኣብ መንጎ አኽራን ይውሕዛ። ንዅሉ እንስሳ መሮር የስትያኦ፣ ኣእዱግ በረኻ ይረውዩለን። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጥቓኤን ይነብራ፣ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ። ነኽራን ካብ ርሻናትካ ተስትዮ፣ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ። ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፣ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፣ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፣ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ። ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ። ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ፣ ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን። ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ፣ ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሔታት እዩ። ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረ፣ ጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ። ጸልማት ትገብር፣ ለይቲውን ይኸውን፣ ብእኡ ዅሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ። ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፣ ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ። ጸሓይ ትበርቕ፣ ይምለሱ፣ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ። ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፣ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፣ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ። እታ ዓባይን ገፋሕን ባሕሪ እዚኣ እያ፣ ቍጽሪ ዜብሎም ዓበይትን ናእሽቱን እንስሳ ኣብኣ ይዋሳወሱ አለዉ። ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት። እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፣ ንኣኻ ይጽበዩ አለዉ። ንስኻ ትህቦም፣ ይእክቡ። ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፣ ብጸጋውን ይጸግቡ አለዉ። ንስኻ ገጽካ ትኽውል፣ ይስምብዱ፣ ትንፋሶም ተውጽእ፣ ይሞቱ፣ ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ። ትንፋስካ ትልእኽ፣ ይፍጠሩ፣ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይንበር፣ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሐጐስ። አብ ምድሪ ይጥምት፣ ንሳ ኸኣ ተንቀጥቅጥ፣ ነኽራን ይትንክዮም እሞ ይተኩ። ብህይወተይ ከሎኹ፣ ንእግዚኣብሄር እዝምር፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን። ቃላተይ ባህ የብሎ፣ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ። ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡ፣ ረሲኣንውን ደጊም ኣይሀልዉ፣ ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዮ ሃሌሉያ።

Translation | Context
መዝሙር 8:8 | 2 Helpful votes

ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:10 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ።

Translation | Context
እዮብ 26:10 | 2 Helpful votes

ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1-31 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን፡ በለ። ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፡ ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ፡ ኢሉ ባረኾም። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓምሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም። ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም። ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።

Translation | Context
መዝሙር 93:1-5 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ግርማ ለቢሱ፣ እግዚኣብሄር ለቢሱ፣ ሓይሊ ተዐጢቑ አሎ፣ ዓለም ከይትናወጽሲ፣ ኣጽኒዕዋ አሎ። ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዘለአለም ኢኻ። ጐይታየ፣ ወሓይዝ ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ። ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፣ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን። ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፣ ጐይታየ፣ ንቤትካስ ንዘለአለም ቅድስና ይግባእ።

Translation | Context