Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

the land of israel


ህዝቅኤል 37:21 | 15 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፣ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ሃገሮምውን ከእትዎም እየ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:23 | 7 Helpful votes

ምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።

Translation | Context
ኣሞጽ 9:14-15 | 7 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኪተኽሉ፣ ወይኒ ኸኣ ኪሰትዩ፣ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፣ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 11:17 | 7 Helpful votes

ስለዚ ድማ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፣ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፣ ሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፣ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 37:11-12 | 6 Helpful votes

ሽዑ ንሱ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዅላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፣ ንሳቶም፣ ዓጻጽምትና ነቐጸ፣ ተስፋና ተቐብጻ፣ ንሕና ጠፊእና ኢና፣ ይብል አለዉ። ስለዝ ተነበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፣ ኣቱም ህዝበይ፣ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፣ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወክም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 122:6 | 6 Helpful votes

ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:6 | 5 Helpful votes

ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 17:7-8 | 5 Helpful votes

ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝዀንኩ፡ እዚ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኲላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ፡ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 15:18 | 4 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡

Translation | Context
ዘፍጥረት 12:3 | 3 Helpful votes

ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።

Translation | Context