Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

the human mind


ሮሜ 12:2 | 29 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:5 | 12 Helpful votes

እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 11 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 28:9 | 5 Helpful votes

ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዂሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ፡ እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ። እንተ ሐደግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:7 | 5 Helpful votes

እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 10:8-12 | 4 Helpful votes

ኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰና፡ ሰርሓኒውን፡ ግናኸ ተጥፍኣኒ አሎኻ። ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ አሎኻ። ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡ ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ፧ ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ። ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒ፡ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሐለዎ።

Translation | Context