Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

the euphrates river


ራእይ 16:12 | 18 Helpful votes

እቲ ሳድሳይውን ጽዋእ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ።

Translation | Context
ራእይ 16:12-15 | 12 Helpful votes

እቲ ሳድሳይውን ጽዋእ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ። ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ። እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:10-14 | 12 Helpful votes

ንገነት ዜስቲ ርባ ከኣ ካብ ኤድን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኰነ። ስም እቲ ሓደ ፒሶን እዩ። ነሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ዅላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብ። ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ ብዶላህን ክቡር ዕንቍን አሎ። ስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን እዩ፡ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ። ስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኸኣ ሄዴቄል እዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 9:14 | 9 Helpful votes

እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብሎ ድምጺ ሰማዕኩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 15:18 | 7 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡

Translation | Context
ዳንኤል 10:4 | 6 Helpful votes

ኣብታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዲውቄል ነበርኩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 11:15 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንልሳን ባሕሪ ግብጺ ኼንቅጾ እዩ፡ ብብርቱዕ ንፋሱ ኸኣ ንኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ኼዋጣውጦ፡ ሾብዓተ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ነቲ ርባ ኺወቕዖ እዩ፡ ሳእኒ ኣእቲኻ ኸም ዚስገርውን ኪገብሮ እዩ።

Translation | Context
እያሱ 1:4 | 4 Helpful votes

ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ሚክያስ 5:2 | 4 Helpful votes

ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሃት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 13:1-7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ እሞ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ገዚእካ፡ ኣብ ሕቜኻ ተዐጠቃ፡ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ቅናት ተወይጠ ሕቘይ ተዐጠቕኩላ። ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዐደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ። ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ኤፍራጥስ ሐባእክዋ። ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ እሞ ኣብ ኤፍራጥስ ኬድካ ነታ ኣብኡ ኽትሐብኣ ዝኣዘዝኩኻ ቕናት ካብኡ ኣምጽኣያ፡ በለኒ። ኣነውን ናብ ኤፍራጥስ ከይደ ኻብታ መሕቢኢኣ ዂዒተ ነታ ቕናት ኣምጻእክዋ። እንሆውን፡ እታ ቕናት ተበላሽያ። ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ኰይና ጸንሔት።

Translation | Context
2ይ ነገስት 23:30 | 3 Helpful votes

ገላዉኡ ድማ ብምውቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኸኣ ኣንገስዎ።

Translation | Context