Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

the environment


ዘፍጥረት 2:15 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ።

Translation | Context
ኤርምያስ 2:7 | 7 Helpful votes

ኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግና ምስ ኣቶኹም፡ ንምድረይ ኣርከስኩምዋ፡ ንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:10-14 | 4 Helpful votes

መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉ።

Translation | Context
መዝሙር 24:1 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:2 | 3 Helpful votes

ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:12 | 2 Helpful votes

ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም።

Translation | Context
ራእይ 21:1 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:6 | 2 Helpful votes

ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ።

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 2 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 23:2 | 2 Helpful votes

ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።

Translation | Context
ኤርምያስ 33:2-3 | 2 Helpful votes

እቲ ዚገብሮ ዘሎ እግዚኣብሄር ኬጽንዕ ዜዳሉ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዝስሙ ኸምዚ ይብል አሎ። ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:27-30 | 2 Helpful votes

ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም አሎኹ። ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጕድላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ከመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ ንስካትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑን። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ኸም ዜድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 16:33 | 2 Helpful votes

ንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።

Translation | Context
ነህምያ 9:6 | 2 Helpful votes

ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:15-17 | 2 Helpful votes

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።

Translation | Context