Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

thanksgiving


1ይ ተሰሎንቄ 5:18 | 9 Helpful votes

እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 8 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።

Translation | Context
መዝሙር 107:1 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ።

Translation | Context
መዝሙር 7:17 | 6 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣ ነቲ ልዑል፣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ክዝምረሉ እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:20 | 6 Helpful votes

ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡

Translation | Context
መዝሙር 100:1-5 | 5 Helpful votes

ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 5 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:25-34 | 4 Helpful votes

ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:1-6 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየ፡ ተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቊጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ አሎኹ። እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ። ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፡ ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ። ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ። ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን።

Translation | Context
መዝሙር 50:14 | 3 Helpful votes

መስዋእቲ ምስጋና ንኣምላኽ ሰውኣሉ፣ መብጽዓኻውን ንልዑል ሀቦ።

Translation | Context
እብራውያን 13:15 | 3 Helpful votes

እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ።

Translation | Context
መዝሙር 116:12 | 2 Helpful votes

ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፣ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧

Translation | Context
ቈሎሴ 3:15 | 2 Helpful votes

ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:23 | 2 Helpful votes

ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 136:1-26 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንግብጺ ብበዅሮም ዝወቕዔ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽኤ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሐለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሔ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንሲሆን፣ ንጉስ ኣሞራውያን፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ምድሮምውን ንርስቲ ዝሀበ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 2:14 | 2 Helpful votes

ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።

Translation | Context
መዝሙር 95:1-6 | 2 Helpful votes

ንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣ ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕ፣ ብመዝሙር እልል ንበለሉ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፣ መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱ፣ ምብራኽ አኽራን ከኣ ናቱ እዩ። ባሕሪ ናቱ እዩ፣ ንሱ ፈጠሮ፣ ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳዉ ገበራኦ። ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ፈጣሪና፣ ንንበርከኽ።

Translation | Context
መዝሙር 31:19 | 2 Helpful votes

ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም፣ ነቶም ኣባኻ ዚምሕጸኑ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ።

Translation | Context