Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

telling the truth


ዮሃንስ 8:32 | 16 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ምሳሌ 12:19 | 13 Helpful votes

ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር፡ ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ።

Translation | Context
ዘካርያስ 8:16 | 8 Helpful votes

እቲ ኽትገብርዎ ዝግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ፣ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:13 | 6 Helpful votes

ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:15 | 6 Helpful votes

ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።

Translation | Context
መዝሙር 5:6 | 6 Helpful votes

ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም። እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:25 | 4 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:37 | 3 Helpful votes

ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 3 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 4:16 | 3 Helpful votes

እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ፧

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።

Translation | Context
እብራውያን 12:14 | 2 Helpful votes

ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:1-10 | 2 Helpful votes

እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን አሎና፡ ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ አሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም አሎና። እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። ምስኡ ሕብረት አሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።

Translation | Context
ኤርምያስ 13:25 | 2 Helpful votes

ንኣይ ረሲዕክኒ፡ ኣብ ሓሶት ከኣ ተወኪልኪ ኢኺ እሞ፡ ግዴኺ፡ እቲ ኣነ ዝኸፈልኩልኪ ኽፍሊ፡ እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context