Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

taking care of your children


1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 26 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 10 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 7 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
መዝሙር 34:1-22 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ። ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ። ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን። ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ። ህይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ፧ መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣ ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፣ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስ፣ ገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ። ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን። ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቊቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይኵነንን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 34:17-20 | 3 Helpful votes

ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 3 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:24 | 3 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 3 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:14 | 3 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-12 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 2 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context