Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

sunday school


2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 14 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:14 | 12 Helpful votes

የሱስ እዚ ምስ ረአየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።

Translation | Context
ሮሜ 15:4 | 11 Helpful votes

ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 2:13 | 8 Helpful votes

ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 8 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 22:19 | 6 Helpful votes

ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 6 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:28 | 6 Helpful votes

ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:22 | 6 Helpful votes

ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።

Translation | Context