Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

sun


ዘዳግም 4:19 | 14 Helpful votes

ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።

Translation | Context
መክብብ 1:5 | 10 Helpful votes

ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ።

Translation | Context
መዝሙር 148:1-14 | 10 Helpful votes

ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፣ አመስግንዎ። ኣትን ጸሓይን ወርሕን፣ አመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፣ አመስግንዎ። ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፣ አመስግንዎ። ንሱ ኣዚዙ፣ ተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ። ንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞም፣ ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣ ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡ ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣ ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፣ ነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብን፣ መሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣ ኣጕባዝን ጐራዙትን፣ ዓበይቲ ምስ ናኣሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ። ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑ፣ ደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢ፣ የመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ።

Translation | Context
መዝሙር 72:1-20 | 7 Helpful votes

ዎ ኣምላኽ፣ ንንጉስ ፍርድኻ፣ ንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም። ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ብጽድቂ፣ ንጥቑዓትካውን ብቅንዕና ኺፈርዶም እዩ። ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ ንህዝቢ ሰላም ኬምጽኡሉ እዮም። ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ። ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋ፣ ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም። ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ። ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፣ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ። ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉ፣ ጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም። ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም። ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም። ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፣ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣ ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም። ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም። ስሙ ንዘለአለም ኪነብር፣ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፣ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም። እቲ በይኑ ተአምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ። ክቡር ስሙ ንዘለአለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፡ ኣሜን። ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:13-14 | 6 Helpful votes

ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 104:5 | 5 Helpful votes

ንዘለአለም ከይትናወጽሲ፣ ንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ።

Translation | Context