Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

starting a business


ሉቃስ 14:28 | 27 Helpful votes

ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧

Translation | Context
መዝሙር 127:1 | 16 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:3-8 | 14 Helpful votes

ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 8:18 | 12 Helpful votes

ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 11 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:24-27 | 9 Helpful votes

ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 5 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context