Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

spirit of the lord


ዮሃንስ 14:17 | 4 Helpful votes

ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 3 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 8:9 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1 | 2 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።

Translation | Context
ሮሜ 8:2 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 2 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context