Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

speaking gods word


እብራውያን 4:12 | 12 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 11 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:20-21 | 5 Helpful votes

ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።

Translation | Context
ማርቆስ 13:9 | 3 Helpful votes

ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:1-40 | 3 Helpful votes

ንፍቕሪ ስዓብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ አሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ። ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽ። ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ አሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢ። ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት አሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን። እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧ ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን አሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸን። ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን አሎኹ። ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚአምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዚአምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተአከበት፡ ኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወ፡ ኲላቶም ይገንሕዎ፡ ኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ። ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር። ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ። ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። ኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ ዂላቶምውን ኪምዓዱስ፡ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ። ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምሃራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔ፧ ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ኺፈልጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ። ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 2:13 | 3 Helpful votes

ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:8 | 3 Helpful votes

ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 3 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
እዮብ 26:7 | 3 Helpful votes

ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።

Translation | Context
ራእይ 20:4 | 3 Helpful votes

ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:52 | 3 Helpful votes

ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።

Translation | Context
ራእይ 11:2 | 3 Helpful votes

እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 3 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።

Translation | Context
ሉቃስ 12:40 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context