Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

snow


ኢሳይያስ 1:18 | 26 Helpful votes

ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:3 | 11 Helpful votes

ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 51:7 | 10 Helpful votes

ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ።

Translation | Context
መዝሙር 68:14 | 8 Helpful votes

እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፣ ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ።

Translation | Context
መዝሙር 147:16-17 | 7 Helpful votes

ንበረድ ከም ጸምሪ ይህብ፣ ንኣስሓይታ ኸም ሓመዅስቲ ይብትኖ። ንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፣ ኣብ ቅድሚ ቚሩኸ መን ይቐውም፧

Translation | Context
ዳንኤል 7:9 | 7 Helpful votes

ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 1:14 | 6 Helpful votes

ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:10 | 6 Helpful votes

ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡

Translation | Context
ዘሁልቍ 12:10 | 5 Helpful votes

እቲ ደበና ኸኣ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሚርያም ለምጻም ኰነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ፡ እነሆ ኸኣ ለምጻም ኰይና ነበረት።

Translation | Context
እዮብ 37:6 | 3 Helpful votes

ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድ፡ ይብሎ።

Translation | Context