Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

slavery


ገላትያ 5:1 | 13 Helpful votes

ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:44-46 | 10 Helpful votes

ንኣኻ ዚዀኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ። ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡ፡ ጥሪት ይኹኑኹም። ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓዉ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ።

Translation | Context
ቈሎሴ 4:1 | 8 Helpful votes

ኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።

Translation | Context
ዘጸአት 21:16 | 8 Helpful votes

ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበ፡ ሞት ይሙት።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:5 | 8 Helpful votes

ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ዘጸአት 21:20-21 | 7 Helpful votes

ሰብ ነቲ ባርያኡ ወይ ነታ ባርያኡ ብበትሪ ወቒዕዎስ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፡ ቅጽዓት ይቀጻዕ። ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ተንስኤ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ፡ ኣይቀጻዕ።

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 4 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ቲቶስ 2:9-10 | 3 Helpful votes

ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዓዶም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:18 | 3 Helpful votes

ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም።

Translation | Context
ሉቃስ 4:18 | 2 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡

Translation | Context
ምሳሌ 22:16 | 2 Helpful votes

ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።

Translation | Context
ዘጸአት 21:26-27 | 2 Helpful votes

ሰብ ዓይኒ እቲ ባርያኡ ወይ ዓይኒ እታ ባርያኡ ወቒዑ እንተ ኣጥፋኤ፡ ካሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውጽኣዮ። ስኒ እቲ ባርያኡ ወይ ስኒ እታ ባርያኡ እንተ ሰበረ፡ ካሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውጽኣዮ።

Translation | Context
ዘጸአት 21:1-36 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ቅድሚኦም እተንብሮ ፍርድታት እዚ እዩ፡ እብራዊ ባርያ እንተ ተሻየጥካ፡ ሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ግና ብኸምኡ ሓራ ይውጻእ። በይኑ እንተ ዀይኑ ዝመጸ፡ በይኑ ይውጻእ። ባዓል ሰበይቲ እንተ ዀይኑ፡ እታ ሰበይቱ ከኣ ምስኡ ትውዛእ። ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሀቦ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወለደትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኩኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ። እቲ ባርያ ግና፥ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ አሎኹ፡ ሓራ ኣይወጽእን፡ እንተ በለ፡ ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕርቦ፡ እቲ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ። ሰብ፡ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፡ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዚወጹ ባሮት ኣይትውጻእ። ነታ ዘእተዋ ጐይታኣ ባህ እንተ ዘይበለቶ፡ ሓራ የውጽኣያ። እንድሕሪ ጠለማ ኸኣ፡ ናብ ጓና ህዝቢ ኺሸጣ ኣይግብኦን። ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ድማ እቲ ነዋልድ ዚግባእ ይግበረላ። ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዚግባእን ኣየጕድለላ። እዚ ሰለስተ ነገርዚ እንተ ዘይገበረላ ግና፡ ብኸምኡ ብዘይ ገንዘብ ሓራ ትውጻእ። እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት። ኣምላኽ ደኣ ኣብ ኢዱ ዘውደቖ እምበር፡ ዘይተጻናተዎ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ዚሀድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ። ሰብ ተተናዅሉ ንብጻዩ ብጕርሒ እንተ ቐተሎ ኸኣ፡ ኪመውት ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ። ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝወቕዔ ሞት ይሙት። ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት። ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ እቲ ሓደ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ዐሚኹ እንተ ወቕዖ፡ ግናኸ ከይሞተ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ፡ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ንግዳም ኪወጽእ እንተ ኸኣለ፡ እቲ ዝወቕዖ ሓራ ውጹእ እዩ። ናይቲ ዘብኰሮ ግዜ ጥራይ ይኽሐሶ፡ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሐዊ ኸኣ የፈውሶ። ሰብ ነቲ ባርያኡ ወይ ነታ ባርያኡ ብበትሪ ወቒዕዎስ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፡ ቅጽዓት ይቀጻዕ። ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ተንስኤ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ፡ ኣይቀጻዕ። ሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሐስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ። ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ። ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊ፡ ቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ። ሰብ ዓይኒ እቲ ባርያኡ ወይ ዓይኒ እታ ባርያኡ ወቒዑ እንተ ኣጥፋኤ፡ ካሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውጽኣዮ። ስኒ እቲ ባርያኡ ወይ ስኒ እታ ባርያኡ እንተ ሰበረ፡ ካሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውጽኣዮ። ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናጻ እዩ። እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣስሚዖምሉ ኸለዉ እንተ ዘይሐለዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ እቲ ዋናኡ ኸኣ ይሙት። ጋር ነፍሲ እንተ ደለይዎ ኸኣ፡ ከም ዝጸዐንዎ ጋር ነፍሱ ይሀብ። ንወዲ እንተ ወግኤ፡ ወይ ንጓል እንተ ወግኤ ኸኣ፡ ከምዚ ፍርዲ እዚ ይግበርዎ። ብዕራይ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ነንስተይቲ ባርያ እንተ ወግኤ፡ እቲ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ነቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ሰብ ጕድጓድ እንተ ከፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጕድጓድ እንተ ዀዐተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፡ እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ክሒሱ የዕርፎ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን። ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራዩ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ምዉት ከኣ ይማቐልዎ። እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ዋናኡ እንተ ዘይሐለዎ ኣብ ክንዲ ብዕራይ፡ ብዕራይ ይኽሐስ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን።

Translation | Context
ዘዳግም 23:15 | 2 Helpful votes

ካብ ጐይታኡ ሀዲሙ ንእተማዕቈበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:21 | 2 Helpful votes

ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር።

Translation | Context
ፊልሞን 1:16 | 2 Helpful votes

ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸ፡ ምናዳ ንኣይ፡ ክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን።

Translation | Context