Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

sinners


1ይ ዮሃንስ 1:9 | 10 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 8 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 8 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 2:17 | 5 Helpful votes

የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 4 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ሮሜ 5:8 | 4 Helpful votes

ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:16 | 4 Helpful votes

ሓደ፡ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ፡ ይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ኪህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት አሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 4 Helpful votes

ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 7:20 | 3 Helpful votes

ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 3 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 2:1-28 | 3 Helpful votes

ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ድማ ይነግሮም ነበረ። ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ። ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ አሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ። የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ አሎኹም፧ ኣያናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ - ነቲ መጻጕዕ፡ ንኣኻ እብለካ አሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኵሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ። ኪሐልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ። ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዐብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረአይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ዚበልዕን ዚሰትን፧ በልዎም። የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ አለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጸሙ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ ኪጾሙ ኣይዀነሎምን እዩ። መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ኾጾሙ እዮም። ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ድማ፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር፡ ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቖ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ። ኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪምንቍሱ ጀመሩ። ፈሪሳውያን ድማ፡ ርኤ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ይገብሩ አለዉ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝአተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ያእቆብ 2:10 | 2 Helpful votes

ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:4 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡

Translation | Context
ሉቃስ 15:1-2 | 2 Helpful votes

ኵሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፥ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጕረምረሙ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:5-10 | 2 Helpful votes

ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን። ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:1-34 | 2 Helpful votes

ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስማካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን። ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:28 | 2 Helpful votes

እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።

Translation | Context
እብራውያን 9:27 | 2 Helpful votes

ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:12 | 2 Helpful votes

ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

Translation | Context