Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

silent prayer


ማቴዎስ 6:6 | 36 Helpful votes

ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:12-13 | 25 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበ።

Translation | Context
መዝሙር 139:1-4 | 14 Helpful votes

ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 24:45 | 13 Helpful votes

ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይወዳእኩ፡ እንሆ ርብቃ፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ፡ ወጸት፡ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሔት። ኣነ ኸኣ፡ ኣስትይኒ ዀታ፡ በልክዋ።

Translation | Context
ሮሜ 8:26-27 | 9 Helpful votes

መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።

Translation | Context