Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

silence


ድጒዓ 3:26 | 9 Helpful votes

ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:11-14 | 9 Helpful votes

ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:34-35 | 8 Helpful votes

ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ። ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምሃራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:28 | 8 Helpful votes

ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።

Translation | Context
መዝሙር 62:5 | 8 Helpful votes

ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ።

Translation | Context
መዝሙር 46:10 | 7 Helpful votes

ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።

Translation | Context
መዝሙር 141:3 | 5 Helpful votes

ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:20 | 4 Helpful votes

ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፣ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።

Translation | Context
እዮብ 29:21 | 4 Helpful votes

ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩ፡ ንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:7 | 3 Helpful votes

መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 8:1 | 3 Helpful votes

ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:13 | 3 Helpful votes

ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።

Translation | Context
መዝሙር 62:1 | 3 Helpful votes

ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሀዲኣ ትጽበ፣ ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ አሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 3 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።

Translation | Context
መዝሙር 37:7 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:23 | 2 Helpful votes

ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሐብእ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ።

Translation | Context
ዘጸአት 14:14 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኪዋጋልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:15 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ አሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም።

Translation | Context
ያእቆብ 1:19 | 2 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 18:6-7 | 2 Helpful votes

ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይአትዋ፡ ኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ። ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።

Translation | Context