Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

shouting


እዝራ 3:11-13 | 9 Helpful votes

ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም እናተቓባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ኸኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፡ ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ። ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረገውቲ ኸኣ፡ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሰረተት፡ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። እቲ ህዝቢ ብሓጐስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸኣ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ፡ እሞ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጐስ ካብ ድምጺ ብኽያት እቲ ህዝቢ ኺፈልዮ ኣይከአለን።

Translation | Context
መዝሙር 98:4 | 7 Helpful votes

ኣቲ ምድሪ ዅልኺ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን አመስግኑን።

Translation | Context
ራእይ 5:12-14 | 6 Helpful votes

ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

Translation | Context
ሉቃስ 17:15 | 6 Helpful votes

ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረአየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ።

Translation | Context
ሉቃስ 19:37-41 | 6 Helpful votes

ናብ መወዳእታ ቝልቍል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዝቅሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረአይዎ ዅሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎን ጀመሩ እሞ፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ምስ ቀረበን ነታ ኽተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፥

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:6 | 6 Helpful votes

ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን።

Translation | Context
መዝሙር 47:1 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።

Translation | Context
እያሱ 6:20 | 4 Helpful votes

ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 15:12-14 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኪደልይዎስ ቃል ኪዳን ኣተዉ። ድማ ንእሽቶ ዀነ ወይስ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይስ ሰበይቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘይደለዮ ዘበለ ዂሉ ይሙት። ንእግዚኣብሄር ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺን እልልታን ብመለኸትን እምብልታን መሐሉሉ።

Translation | Context
ጸፎንያስ 3:14-15 | 4 Helpful votes

ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ዘምሪ፣ ኣታ እስራኤል፣ እልል በል፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፣ ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ። እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፣ ንጸላኢኺ ሰጐጎ፣ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፣ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን።

Translation | Context
መዝሙር 100:1-5 | 4 Helpful votes

ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 3 Helpful votes

ሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።

Translation | Context
እያሱ 6:10 | 3 Helpful votes

እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ጫውጫው ኣይትበሉ፡ ድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑ፡ ገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑ፡ ዝብለኩም መዓልቲ፡ ሽዑ ኣውክዑ፡ ኢሉ ኣዘዞም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 9:24 | 3 Helpful votes

ሓዊ ኸኣ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ በልዖ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአዩ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም ከኣ ፍግም በሉ።

Translation | Context