Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

sheol


መክብብ 9:10 | 2 Helpful votes

ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።

Translation | Context
ዮናስ 2:2 | 2 Helpful votes

ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ።

Translation | Context
መዝሙር 86:13 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፣ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሲኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፣ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፣ ስምካውን ንዘለአለም ከኽብር እየ።

Translation | Context
መዝሙር 16:10 | 2 Helpful votes

ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።

Translation | Context
እዮብ 14:13 | 2 Helpful votes

ኣየ፡ ቊጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ፡ እንተ ትስውረኒ፡ ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብኣኒ፡ መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ፡ ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ።

Translation | Context
ሆሴዕ 13:14 | 2 Helpful votes

ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፣ ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት፣ ፌራኻ ኣበይ አሎ፡ ኣታ ሲኦል፣ ጥፍኣትካ ኣበይ አሎ፡ ጣዕሳ ካብ ኣዒንተይ ተሐብኤት።

Translation | Context
ዘፍጥረት 37:35 | 2 Helpful votes

ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ፡ ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ፡ ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:23 | 2 Helpful votes

ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየ።

Translation | Context
መዝሙር 55:15 | 2 Helpful votes

እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ።

Translation | Context