Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

shame


ኢሳይያስ 50:7 | 12 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:7 | 11 Helpful votes

ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 7 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 12:2 | 7 Helpful votes

ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።

Translation | Context
መዝሙር 34:4-5 | 6 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 5 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:11 | 5 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 31:17 | 4 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ተማህሊለ አሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ። ረሲኣን ይሕፈሩ፣ ኣብ ሲኦልውን ስቕ ይበሉ።

Translation | Context
መዝሙር 3:3 | 3 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።

Translation | Context
ማርቆስ 8:38 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።

Translation | Context
ጸፎንያስ 3:19 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቍንኺ ዅሎም ክጻረሮም እየ፣ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፣ ነታ እተሰጐት ከኣ ክእክባ፣ ኣብቲ ዝነወርዎ ዅሉ ነገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 25:1-22 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ። ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒ፣ ጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም። ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ። እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ። ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ። ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልውስ፣ መገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን። ዎ እግዚኣብሄር፣ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ። ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ። ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፣ ዘርኡውን ንምድሪ ኺወርሳ እዩ። ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ። ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን። ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቊሊሕ በል፣ ደንግጸለይውን። ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ። ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮም፣ ግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ አለዉ። ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ። ብኣኻ ተስፋ ገይረ አሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ።

Translation | Context
ሉቃስ 9:26 | 2 Helpful votes

ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 2 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:10 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ፡ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ በለ።

Translation | Context
መዝሙር 37:18-19 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፣ ርስቶም ከኣ ንዘለአለም ኪነብር እዩ። ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩን፣ ብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም።

Translation | Context
ናሆም 1:7 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:3-5 | 2 Helpful votes

ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context