Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

sexual assault


መዝሙር 82:3 | 10 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።

Translation | Context
ኣንባቆም 1:3 | 9 Helpful votes

ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስካስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ።

Translation | Context
መዝሙር 72:4 | 9 Helpful votes

ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።

Translation | Context
መክብብ 4:1 | 9 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን።

Translation | Context
መዝሙር 9:9 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:11 | 7 Helpful votes

ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:6 | 6 Helpful votes

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
ሉቃስ 4:18-19 | 6 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።

Translation | Context
ገላትያ 5:14 | 6 Helpful votes

ማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:28-29 | 5 Helpful votes

ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25 | 5 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 10:1-2 | 5 Helpful votes

እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:17 | 4 Helpful votes

ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።

Translation | Context
ኣሞጽ 5:12 | 4 Helpful votes

ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፣ ሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉ፣ ደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም።

Translation | Context
መዝሙር 55:23 | 4 Helpful votes

ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቚ ጒድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግና ኣባኻ እውከል አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 13:8-10 | 3 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

Translation | Context