Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

sexual abuse


ማቴዎስ 11:28 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።

Translation | Context
መዝሙር 9:9 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:40 | 5 Helpful votes

እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።

Translation | Context
መዝሙር 72:4 | 5 Helpful votes

ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 82:3 | 5 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።

Translation | Context
ኣንባቆም 1:3 | 4 Helpful votes

ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስካስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:11 | 4 Helpful votes

ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።

Translation | Context
ሉቃስ 4:18-19 | 4 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።

Translation | Context
መክብብ 4:1 | 4 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:45 | 4 Helpful votes

ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:6 | 4 Helpful votes

ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:17 | 4 Helpful votes

ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 10:1-2 | 3 Helpful votes

እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም።

Translation | Context
ኣሞጽ 5:12 | 3 Helpful votes

ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፣ ሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉ፣ ደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም።

Translation | Context
መዝሙር 55:23 | 3 Helpful votes

ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቚ ጒድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግና ኣባኻ እውከል አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:28-29 | 3 Helpful votes

ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25 | 2 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:19-23 | 2 Helpful votes

ሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ። ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ። ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 9:42 | 2 Helpful votes

ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕቲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-11 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 17:2 | 2 Helpful votes

ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ።

Translation | Context