Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

sex change


ዘዳግም 22:5 | 30 Helpful votes

ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 1:24-27 | 11 Helpful votes

ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:22 | 8 Helpful votes

ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 139:14 | 7 Helpful votes

መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።

Translation | Context
ሮሜ 13:8-10 | 7 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

Translation | Context