Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

setting goals


ምሳሌ 21:5 | 12 Helpful votes

ሃቐና እቲ ትጉህ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ስእነት ጥራይ ይህወኽ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:13-14 | 9 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 15:7 | 9 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ኪብላ ኣይትሕደጉ።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:2-3 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።

Translation | Context
መዝሙር 37:4 | 7 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:14 | 5 Helpful votes

ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 24:27 | 5 Helpful votes

ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 4 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:28 | 4 Helpful votes

ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:26 | 2 Helpful votes

የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:2 | 2 Helpful votes

ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:34 | 2 Helpful votes

የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:18 | 2 Helpful votes

ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:27 | 2 Helpful votes

ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
መክብብ 5:3 | 2 Helpful votes

ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።

Translation | Context