Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

seth


ዘፍጥረት 5:3 | 13 Helpful votes

ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ከም መልክዑ ኸኣ ንእኡ ዚመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 5:4 | 10 Helpful votes

ዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:26 | 9 Helpful votes

ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:25 | 7 Helpful votes

ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 3:38 | 6 Helpful votes

ወዲ ሄኖስ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 3 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 5:1-32 | 3 Helpful votes

መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ እዩ፥ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ኸኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽአሎም። ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ከም መልክዑ ኸኣ ንእኡ ዚመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ። ዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኣዳም ዝነበሮ ዅሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ። ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖስ ከኣ ወለደ። ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ሴት፡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ። ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገበረ፡ ንቃይናን ከኣ ወለደ። ሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ሄኖስ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገበረ፡ ንመሃላልኤል ድማ ወለደ። ቃይናን ንመሃላልኤል ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንያሬድ ድማ ወለደ። መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ያሬድ ከኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖክ ድማ ወለደ። ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ። ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንማቱሳላ ኸኣ ወለደ። ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን። ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ንላሜክ ከኣ ወለደ። ማቱሳላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ማቱሳላ ኸኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ወዲ ድማ ወለደ። ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉ። ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ኖህ ከኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።

Translation | Context