Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

self love


2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 | 19 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:29 | 12 Helpful votes

ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4-7 | 8 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:37-39 | 6 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡ እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 5 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:23 | 5 Helpful votes

ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:19-21 | 4 Helpful votes

ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

Translation | Context