Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

scripture


2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 13 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 15:4 | 6 Helpful votes

ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:11 | 5 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:29 | 5 Helpful votes

ቃለይዶ ኸም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዜብል ሞደሻን ኣይኰነን፧ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:35 | 4 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

Translation | Context
እያሱ 1:8 | 3 Helpful votes

ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12-14 | 2 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ።

Translation | Context
ኤርምያስ 15:16 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።

Translation | Context
መዝሙር 19:7-11 | 2 Helpful votes

ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለአለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣ ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።

Translation | Context
እብራውያን 2:1 | 2 Helpful votes

ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።

Translation | Context