Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

science


መዝሙር 111:2 | 13 Helpful votes

ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።

Translation | Context
እዮብ 38:4-30 | 6 Helpful votes

ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ። ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ፧ ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ፧ ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧ ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ፧ ደበና ልብሱ ኪኸውን፡ ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ፡ ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ፡ መሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ፡ ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡ እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ በልኩ። ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡ ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም፡ ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር። ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ፧ ኣብ ውሽጢ መዓሙቚከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ፧ ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ፧ ኤረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ፧ ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ፧ እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ። ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ አላ፧ ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ አሎ፧ ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡ ኤረ ቚጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ፧ ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ፧ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዚምቀለላ፡ ንፋስ ምብራቕ ዚዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ፧ ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ፧ ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧ ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:12 | 4 Helpful votes

ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ፧ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ፧

Translation | Context
ቈሎሴ 1:17 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:15 | 3 Helpful votes

ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን።

Translation | Context
መዝሙር 104:5 | 3 Helpful votes

ንዘለአለም ከይትናወጽሲ፣ ንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ።

Translation | Context
ሮሜ 1:20 | 2 Helpful votes

ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።

Translation | Context
እዮብ 26:7 | 2 Helpful votes

ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።

Translation | Context
መክብብ 1:6-7 | 2 Helpful votes

ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ። ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።

Translation | Context
መክብብ 1:13-17 | 2 Helpful votes

ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዅሉ ተግባር ርኤኹ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን። ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ። ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ።

Translation | Context
እብራውያን 3:4 | 2 Helpful votes

ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:22 | 2 Helpful votes

ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።

Translation | Context