Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

salvation for the dead


1ይ ጴጥሮስ 3:18-22 | 6 Helpful votes

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:6 | 4 Helpful votes

ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ዀይኖም ኪፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኴይኖም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:26 | 3 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context