Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

sacrifice yourself


ሮሜ 12:1-2 | 24 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
እብራውያን 13:15-16 | 13 Helpful votes

እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:16 | 11 Helpful votes

ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
እብራውያን 13:15 | 7 Helpful votes

እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:7-8 | 6 Helpful votes

እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።

Translation | Context
ማርቆስ 8:34-38 | 6 Helpful votes

ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ። ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሃበ፧ ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።

Translation | Context