Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

rocks


መዝሙር 18:2 | 20 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 144:1 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 22:32 | 8 Helpful votes

ብጀካ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ መን እዩ፡ ብጀካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፡

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 2:2 | 6 Helpful votes

ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡

Translation | Context
ማቴዎስ 16:18 | 6 Helpful votes

ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።

Translation | Context
ዘዳግም 32:18 | 4 Helpful votes

ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካ፣ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ።

Translation | Context
ሉቃስ 8:13 | 4 Helpful votes

ኣቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚአምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:24-27 | 3 Helpful votes

ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

Translation | Context
ራእይ 21:11 | 2 Helpful votes

ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:4 | 2 Helpful votes

ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:1-46 | 2 Helpful votes

የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ።

Translation | Context