Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

rivers


ኢሳይያስ 43:2 | 18 Helpful votes

ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 47:9 | 15 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኵሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፣ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 7:38 | 15 Helpful votes

ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 46:4 | 11 Helpful votes

ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ አሎ።

Translation | Context
ራእይ 22:1-2 | 7 Helpful votes

ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።

Translation | Context
መክብብ 1:7 | 6 Helpful votes

ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።

Translation | Context
ዘካርያስ 14:8 | 5 Helpful votes

በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፣ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፣ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፣ ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 65:9 | 5 Helpful votes

ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 47:1-7 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒ። ገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፣ እንሆ፣ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ትሕቲ፣ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፣ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ። ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒ፣ ብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፣ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፣ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፣ ዚእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፣ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፣ ክሳዕ እግረይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገአኒ፣ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሔ። ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፣ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፣ ኣነ ኽሳገሮ ዘይክኣለኒ ውሒዝ ኰነ። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ትርኢዶ አሎኻ፡ በለኒ። ሽዑ ወሰድኒ፣ ናብ ወሰን እቲ ውሒዝ ድማ መለሰኒ። ምስ ተመለስኩ፣ እንሆ፣ ወሰን ወሰን እቲ ውሒዝ በዝን በትን ብዙሕ ኣእዋም አሎ።

Translation | Context
መዝሙር 36:8 | 4 Helpful votes

ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም።

Translation | Context