Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

righteousness


1ይ ዮሃንስ 2:29 | 6 Helpful votes

ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:7 | 5 Helpful votes

ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 33:15-17 | 5 Helpful votes

እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ፡ ንሱ ኣብ በረኻ ኪነብር፡ ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውን፡ እንጌራኡ ኺረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ። ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቔኡ ኺርእያኦ፡ ርሑቕ ሰፊሕ ሃገር ከኣ ኪምልከታ እየን።

Translation | Context
ሮሜ 5:1-5 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።

Translation | Context
መዝሙር 106:3 | 4 Helpful votes

ፍርዲ ዚሕልዉ፣ ኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 3 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:14 | 3 Helpful votes

ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን።

Translation | Context
ሮሜ 10:4 | 3 Helpful votes

ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:20 | 3 Helpful votes

ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 1:11 | 2 Helpful votes

ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:4-6 | 2 Helpful votes

ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:22 | 2 Helpful votes

ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:18 | 2 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:5-9 | 2 Helpful votes

ጻድቕ ሰብ እንተሎ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፣ ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዔ፣ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ እንተ ዘይበላ፣ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዝየራኸሰ፣ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበ፣ ንሓደ እኳ እንተ ኣይገፍዔ፣ ንብዓል ዕዳ ታሕዚ እንተ መለሰሉ፣ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዐመጸ፣ እንጌራኡ ንጥሙት እንተ ሀበ፣ ንዕሩቕ ከኣ ክዳን እንተ ኸደነ፣ እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠን፣ ኢዱ ካብ ኦኣምጻ እንተ ኸልከለ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ፣ ብሕጋጋተይ እንተ ተመላለሰ፣ ጽድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሐለወ፣ ንሱ ጻድቕ እዩ፣ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Translation | Context
ምሳሌ 2:5-20 | 2 Helpful votes

ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ። ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ። ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡ ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡ ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም። ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ። ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሐደገቶ፡ ንኺዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ። ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ኸኣ ናብ ምዉታት ዜንቈልቍል እዩ እሞ፡ ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም። እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምብኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ፡ ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:4 | 2 Helpful votes

ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context