Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

rich man entering heaven


ማርቆስ 10:25 | 18 Helpful votes

ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:9-12 | 12 Helpful votes

እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17-19 | 8 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:24 | 6 Helpful votes

ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 1:3 | 4 Helpful votes

እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 14:13 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:14-16 | 3 Helpful votes

እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም። ነቶም ንጹሃን ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን። ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 29:13 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ በለ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ኻብ ዚቐርበኒ፡ ብኸናፍሩውን ካብ ዜኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ካብ ዚርሕቕ፡ እቲ ንኣይ ምፍራሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን፡

Translation | Context
ማቴዎስ 18:3-4 | 3 Helpful votes

በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 2 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 16:17-18 | 2 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:23-26 | 2 Helpful votes

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ። የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:34-35 | 2 Helpful votes

ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።

Translation | Context