Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

reward


ቈሎሴ 3:23-24 | 12 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 9 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 6:9 | 8 Helpful votes

እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:33-34 | 6 Helpful votes

ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:1-34 | 6 Helpful votes

ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስማካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን። ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17-19 | 5 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
መዝሙር 37:4 | 5 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 4 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
እብራውያን 6:10 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን አሎና።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:12-15 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 13:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ።

Translation | Context
ኤርምያስ 17:10 | 2 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:8 | 2 Helpful votes

ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎ፡ ፍለጡ።

Translation | Context
ራእይ 22:12 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 19:9-11 | 2 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለአለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣ ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።

Translation | Context