Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

restoration


ኤርምያስ 30:17 | 8 Helpful votes

እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ዮኤል 2:25-26 | 8 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ኣቶ ኣንበጣን ኵብኵብታን ጐደበን ሓሰኻን፣ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዔን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ መብልዕ ክትበልዑ ክትጸግቡውን ኢኹም፣ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሐንኽን።

Translation | Context
መዝሙር 51:12 | 6 Helpful votes

ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:7 | 4 Helpful votes

ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19-21 | 4 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 42:10 | 4 Helpful votes

እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየ፡ እግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:4 | 3 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 3 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 2 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 21:1-5 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ።

Translation | Context
ዘካርያስ 9:12 | 2 Helpful votes

ኣቱም ብተስፋ እተአሰርኩም፣ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፣ ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ፣ ሎሚውን እነግረኪ አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 2 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 42:1-25 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይኪጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ። ጭፍሉቕ ወምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ። ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን። እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ። እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ፡ ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ። ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ። በረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ፡ ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ። እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእ፡ ከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕል፡ ይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ። ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩ፡ ሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ። ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞ፡ ንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየ፡ ንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮ፡ ንቐላይውን ከንጽፎ እየ። ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ። እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዚውከሉ፡ ንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዚብሉ፡ ንድሕሪት ገጾም ኪምለሱ፡ ኣዝዮም ድማ ኪንውሩ እዮም። ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ። ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ፧ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ፧ ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን። እግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ኪገብሮ ተሐጐሰ። ግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹ፡ ምለስ፡ ዚብል ድማ የልቦን። ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዪ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን እዩ፧ ያእቆብ ንወራር፡ እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ፧ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፡ ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ፧ ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዐወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1 | 2 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

Translation | Context
ገላትያ 6:1 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 2 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context