Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

rest


ዘጸአት 33:14 | 13 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፡ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድ፡ ከዕርፈካ ኸኣ እየ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28-30 | 13 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 127:2 | 7 Helpful votes

ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:29 | 6 Helpful votes

ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ማርቆስ 6:31 | 5 Helpful votes

ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ክትዓርፉ ንዑናይ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:15 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ አሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም።

Translation | Context
ዘጸአት 34:21 | 4 Helpful votes

ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ዕረፍ። ብጊዜ ማሕረስን ዓጺድን ድማ ዕረፍ።

Translation | Context
መዝሙር 37:7 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ።

Translation | Context
ኤርምያስ 31:25 | 3 Helpful votes

ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያ፡ ንዝቓሕተወት ዘበለት ነፍሲ ድማ ከጽግባ እየ እሞ፡ ይሁዳን ኲለን ከተማታታን ሓረስቶትን እቶም ምስ መጓሴታት ዚጒዕዙን ሐቢሮም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 46:10 | 3 Helpful votes

ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:28-31 | 3 Helpful votes

እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መዝሙር 4:8 | 3 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 4:1-11 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተኒጊሩልና አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን። ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቝጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንእምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ፡ ኢሉ አሎ። ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ። እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎሚ ብምባል ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ አሎ። እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም አላ። ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል።

Translation | Context
ሮሜ 15:13 | 3 Helpful votes

ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም።

Translation | Context
መዝሙር 94:12-14 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኵዐት፣ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፣ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፣ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:3 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።

Translation | Context
መዝሙር 91:1 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር።

Translation | Context