Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

respecting parents


ዘጸአት 20:12 | 16 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
ምሳሌ 1:8 | 13 Helpful votes

ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:20 | 10 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1-4 | 10 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1 | 8 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ዘጸአት 21:17 | 5 Helpful votes

ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 5 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 3 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።

Translation | Context
ዘዳግም 5:16 | 3 Helpful votes

ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
ዘዳግም 21:18-21 | 3 Helpful votes

ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎም። ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 3 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:15 | 2 Helpful votes

ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።

Translation | Context