Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

respecting others


ማቴዎስ 5:43-48 | 21 Helpful votes

ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።

Translation | Context
ሮሜ 12:10 | 20 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:30-36 | 7 Helpful votes

ንዝለመንካ ዘበለ ሃብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:20 | 6 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1-4 | 6 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ሮሜ 13:7 | 5 Helpful votes

እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:8 | 5 Helpful votes

ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:8-9 | 4 Helpful votes

ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:6 | 4 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሃሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:3-4 | 3 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:25 | 3 Helpful votes

እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:12 | 3 Helpful votes

እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 2 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 2 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:15 | 2 Helpful votes

ብፍርዲ ኣይትዐምጹ፥ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ።

Translation | Context